ሓበሪታ ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ

ኣብዚ ብቋንቋ ትግርኛ ብቴለፎን ዝቐርብ ሓበሬታ ብዛዓብ ክሮና ቫይረስ እነሆ። ንብዙሓት ሰባት፣ ጥብቂ ዝኾኑ መምርሕታት ምክልኻል ረኽሲ ምትግባር ናብ ስምዒታት ጽምዋን ተነጽሎን የእትዎም እዩ። ከምቲ ልሙድ ምስ ኣዕሩኽትናን ኣባላት ቤተ-ሰብናን ክንራኸብ ኣይንኽእልን። እንተኾነ ግን ንሕብረተ-ሰብ ብግቡእ ዳግማይ ክ

ነዞም ይስዕቡ መቆጻጸሪ ረኽሲ ሕግታት ተኸተሎምን ኣብ ግብሪ ኣውዕሎምን፣

-ኣእዳውካ ብቐጻሊ ተሓጸብ፣

-ርሕቀትካ ሓሉ፣

-ብዝሒ ሰባት ዘለዎም ቦታታት ኣወግድ ወይ ረሓቕ፣

-እንተድኣ ሓሚምካ፣ ኣብ ገዛ ኮፍ በል፣

-ምልክታት ኮሮና እንተድኣ ተርኢ ሃሊኻ፣ መርመራ ግበር፣

-መርመራ ኮሮና ብዘይ ገንዘብ ብናጻ እዩ ዝግበር፣ ኣብ ዝስዕብ መርበብ ኢንተነት ኣቲኻ ድማ ክትእዝዝ ወይ ክትሓትት ትኽእል፣  oslo.kommune.no

-ኣብቶም ካብ ሰባት ርሕቀትካ ክትሕልወሎም ዘይትኽእል ቦታታት፣ (ንኣብነት ከም ህዝባዊ ቦታ፣ ድኳን፣ ህዝባዊ መጎዓዝያ፣ ወዘተ) ናይ ገጽ መሸፈኒ -ማስኬራ- ተጠቐም፣ 

ክታበት

ኣብ ዝተፈላለየ ሃገር ክንገይሽ ከለና፡ ንኽተብ ነይርና ህጻናት ከለና። ረጃእ ያሲን ኣበራ ሓላፊት ፕርጀክት ናይ ፈይስ ቱ ፈይስ ፕሩቢገር ፡

ኣብዚ ግዜዚ ንህዝቢ ዝወሃብ ክታበት ጀሚሩ ኣሎ። እቲ ክታበት ብናጻን -ብዘይ ክፍሊት ገንዘብ- ብወለንታን ኢዩ ዝወሃብ። ኩሉሰብ ክታብት ክኽተብ ምትብባዕ ይግበረሉ ወይ ይግብኦ።

ኣብ ክታበት ቀዳምነት ዝወሃቦም እቶም ብዕድመ ዝሸምገሉን፣ ኣብ ሞያ ሕክምና ዝሰርሑን ሕዱር ሕማም ዘለዎምን እዮም። ብድሕሪኡ፣ እቲ ዝተረፈ ህዝቢ፣ ብመስርዕ ቀዳምነት ይወሃቦ። ክታበት ንምርካብ ናብ ክሊኒክ ጥዕና ወይ ሓኪም ምኻድ ኣየድልየካን’ዩ። ነፍስ-ወከፍ ሰብ መዓስ ክታበት ከም ዝወሃብ ወይ ዝኽተብ ክሕበሮ እዩ።

ክታበት ንበይኑ ፍታሕ ናይቲ ለበዳ ኣይኮነን። ማዕረ ማዕሪ ክታበት፣ ነቶም ኣዝዮም ኣገደስቲ ናይ ረኽሲ መቆጻጸሪ ኣገባባት ጽቡቕ ጌርና ክንዕቅቦም ኣለና።   

-ብዛዕባ ኮሮና ቫይረስ ዝያዳ ክትመሃር ወይ ክትፈልጥ ክትረክብ እንተደሊኻ፣ 

-ኣብዚ ብዛዕባ ኮሮና ብቋንቋ ትግርኛ ዝያዳ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፣ 

ርሕቀት፣ ኢድ ምሕጻብ፣ ናይ ገጽ ማስኬራ፣ ርክብ  Karantenehus_Tigrinja (fhi.no)

መርመራ - ርክብ  Tigrinja_Informasjon til deg som har tatt koronatest_TI.docx (fhi.no)

 ውሸባ - ርክብ  tigrinja-tigrinya_hjemme-i-isolasjon-karantene-eller-ventekarantene.pdf (fhi.no)

ክታበት - ርክብ  tigrinja_koronavaksine-pa-123.pdf (fhi.no)

ናይ ውሸባ ሆቴል፣ ርክብ

ሓበሬታ ብዛዕባ ቀይሕ መስቀል ኦስሎ።

ንሕና ንቖልዑ መንእሰያትን ዓብይትን ዝምልከቱ ንጥፈታትን ወፈያታትን ኣለዉና።

ንዝያዳ ሓበሬታ ናብ ማእከል ሓበሬታና ክትድውል ትኽእል፣ 

ማእከል ሓበሬታ ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ` ካብ ሰዓት 11፣30 – 14፣00

ኣገልግሎት ቴለፎን ድማ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ካብ ሰዓት 10፣00 – 15፣00

መራኸቢ ኣድራሻና

ቴለፎን: +47 22 05 44 03

ኢ-መይል -Email: kontakt.oslo@redcross.no

ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም፡

Face2face Brobygger senter

ቴለፎን +47 93 94 70 33

ካብ  ሶኒ - ሰሉስ 09:00 – 15:00

ሮቡዕ - ሓሙስ 16:00 – 20:00

f2f logo